ኣብ መጋቢት 2014 ካብ ራዳር ዝተሰወረት ነፋሪት ማሌዥያ ንምርካብ፡ ብዙሓት ሃገራት ዘሳተፈን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓተተን - ክሳብ ሕጂ መዘና ዘይተረኽቦ ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝገዘፈ ናይ ድልያ ወፍሪ ክግበር ጸኒሑ ኣሎ። ብቑጽሪ በረራ ኤም.ኤች. 370 እትልለ ካብ ርእሰ ከተማ ማሌዥያ - ኩዋላ ላምፑር ተበጊሳ ናብ በይጂንግ - ቻይና እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ ኣብ ንቡር ብራኸ ኰይና ቍሩብ ምስ ተጓዕዘት ህጣማ ኣጥፊኣ። ነታ ናይ 15 ሃገራት ዜጋታት ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ንምርካብ ዝተኻየደ መስርሕ ድልያ፡ ብደረጃ ዓለም- ለኸ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንባብ ራዳር ብዘርእዮ ተኽእሎታት ሰፊሕ ከባቢ ባሕርታት ደቡብ ኤስያን ህንዳዊ ውቅያኖስን ሰላማዊ ውቅያኖስን ንድፊ ወጺኡሉ ብኣውስትራልያ ዝምራሕ ፈተሻታት ተኻዪዱ። ካብ ገማግም ኣውስትራልያ ክሳብ ገማግም ኣፍሪቃ ናይ ትሕትን ልዕልን ማያት ፈተሻታት ተኻዪዱ።
ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝወጾ ብዙሕ ኣድካሚ ዳህሳስ’ዩ ተገይሩ። ነቶም ዝሻቐሉ ዘለዉ ስድራቤት ተሳፈርቲን ንምሉእ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘዕርፍ ዝተጻፈፈ ጸብጻብ ኣብዚ ቅንያት እዚ ክወሃብ ምዃኑ መንግስቲ ማሌዥያ ተመባጺዑ ኣሎ። ብዘይካ ኣብ ጥቓ ደሴት ሪዩንየን ዝተረኽበ ጅላድ ክንፊ፡ ኣካል ናይታ ነፋሪት ይኹን ኣስከሬን ገያሾ ፍጹም ኣይተረኽበን። ጽፉፍ ዝዀነ ሓበሬታ ስለ ዘይተረኽበ ድማ ሰባት ነቲ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ክመልእ ዝኽእል ክልሰ ሓሳባት ይዝርግሑ ምህላዎም ይፍለጥ። ምስዋር በረራ ኤም.ኤች 370 ኣሰካፊ ዝገብሮ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደጋ ተፈጢሩ እንተዀይኑ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ክፍለጥ ኣለዎ። ንመጻኢ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይፍጸም መምሃሪ ስለዝኸውን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከባ ኩባንያታት መንገዲ ኣየር ብተገዳስነት ይከታተላኦ ከምዘለዋ ይፍለጥ። ኣብ ታሪኽ በረራ ዓለም ዘይተፈትሑ ግድላት ካብ ዝበሃሉ ሓደ ዝዀነ ጉዳይ ነፋሪት ማሌዥያ እዩ። ኣብ ጉዕዞ እንከላ ነፋሪት ማሌዥያ ናበይ’ያ ተሰዊራ? ምስዋራን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝዀነ ኣሰር ወይ ደሃይ ዘይምርካቡን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ኩነታት ዝተፈጥሩ ግምታዊ ክልሰ-ሓሳባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ።
ኣብዚ ቕንያት እዚ ዝናፈስ ዘሎ ወረ እታ ነፋሪት ካብ ርሑቕ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሳይበር ተጨውያ ክትከውን ከም እትኽእል’ዩ ዝገልጽ። በዚ ድማ ናይ መጀመርታ ብመጥቃዕቲ ሳይበር ዝተጨውየት ነፋሪት ክትከውን ከም እትኽእል እቲ ሓበሬታ ይገልጽ። ነታ ነፋሪት ዝመርሕ ኮምፒተር ብትእዛዝ ቀርሰንቲ ኣንፈት ዘስሕት መምርሒ ተዋሂብዎ፡ ስለዚ ናብ ካልእ ቦታ ተሳሒባ ክትከውን ትኽእል ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ኣሎ። እዚ ተኽእሎታት ሓድሽ ይኹን ደኣ እምበር ቅድሚኡ ብዙሕ ልብወለዳዊ ውዲታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። መጥቃዕቲ ኣመሪካ 11 መስከረም፡ ኣብ ልዕሊ ነዋሕቲ ህንጻታት ከተማ ኒውዮርክ ብነፈርቲ ዝተኻየደ ሽበራዊ ግጭት ሓድሽ ምህዞ ክፍጠር ዕድል ከም ዝኸፈተ ይዝረብ እዩ። እታ ናብ ቻይና ኣቕኒዓ ዝነበረት ነፋሪት’ውን በዚ ሓድሽ ምህዞ ካብ ርሑቕ ተጨውያ ክትከውን ከም እትኽእል’ዮም ገለ ወገናት ዝጥርጥሩ።
እታ ልዕሊ 239 ሰባት ኣሳፊራ ናብ ቻይና ገጻ እትበርር ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ደሃይ ከም ዘጥፈአት ይፍለጥ። ዋና ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት ብራዳር ንዝከተተሉዎ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት በረራ ‘ደሓን ሕደሩ” እትብል ናይ መወዳእታ ቃል ድሕሪ ምዝራቡ ብኡ ንብኡ ኣሰር ናይታ ነፋሪት ምጥፍኡ ይዝከር። ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ንዓበይቲ ሃገራት ዘሳተፈ መስርሕ ድልያ’ውን ጭቡጥ ሓበሬታ ወይ ተስፋ ዝህብ ኣይኰነን። ኣንፈት ስለ ዝተሳእነ ድማ ካብ ሓያሎ ኩርነዓት ዓለም ጭብጢ ዘይብሉ ናይ ውዲት ክልሰ- ሓሳባት ክምዕብል ክኢሉ። እታ ነፋሪት ኣብ ዝጠፍኣትሉ ቅንያት፡ ኮምፒተር ናይታ ነፋሪት ብሞባይል ተሌፎን ቀርሰንቲ፡ ኣንፈታ ኣስሒቱ ናብ ካልእ ሃገር ክትዓልብ ዝገብር ትእዛዝ ብምሃብ ኣጥፊኦማ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሓደ ትካል ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። ኣብ ሓደ እዋን ገለ ካብመራሕቲ ሓያላን ሃገራት እታ ነፋሪት ቅድሚ ምጥፋኣ ኣፍልጦ ከም ዝነበሮም ስሞም እናተረቝሐ ይጸሓፍ ነይሩ። ኣብ ወሽመጥ ቤንጋል ኣብ ዝርከብ ጀቕጀቕ ከም ዝዓለበትን ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣቐዲሞም ይፈልጡ ምንባሮምን ከምኒ ‘ደይሊ ስታር’ ዝኣመሰላ ጋዜጣታት ጽሑፋት ዘርጊሐን። ካልእ፡ ኣብታ ነፋሪት ንጹር ኣድራሻ ዘይብሉ ተሳፋራይ ኣትዩ ከም ዝነበረን ጨውዩ ኣብ ርሑቕ ማያት ወሲዱ ኣጥሒልዋ ከም ዝኸውን ከም ክለሳ ሓሳብ ርእይቶ ዝህቡ እውን ኣለዉ። እታ ነፋሪት ምስ ጠፍአት ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ መንገዲ ኣየር ማሊዥያ፡ 239 ሰባት ከም ዝጠፍኡ የረድእ። እንተዀነ ዝርዝር ኣስማት ናይ 226 ገያሾን 12 ሰራሕተኛታትን ጥራይ እዩ ተዘርጊሑ።
እዚ ድማ ሓደ ዘይተፈልጠ ተረፍ ሰብ ከም ዝነበረ’ዩ ዘረድእ። እቲ ሰብ ብግዳም ብዝነበሩ ካልኦት እናተሓገዘ ነታ ነፋሪት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኣእትይዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብራሪ ቅያ ክፍጽም ዝህንጠይ ሰብ ከም ዝነበረን “ናይ ዓለምና ፍታሕ ዘይርከቦ ዝዓበየ ግድል” ናይ ምፍጣር ድልየት ስለ ዝነበሮ ነታ ነፋሪት ብዝተዋደደን ከምዘይትርከብን ገይሩ ኣጥፊእዋ ክኽውን ከም ዝኽእል’ውን ናይ ኣውስትራልያ ሰብ ስልጣን ከረድኡ ይፍትኑ እዮም። ንሸነኽ ደቡብ ዋልታ ሃጽ ኣቢልዋ ክኸውን ይኽእል’ዩ ይበሃል’ዩ። ገለ እውን ንሰሜን ገጹ ኣዕሪብዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ። እታ ነፋሪት ወዲቓ ተባሂሉ ካብ ዝግመተሉ ቦታታት ኣስታት 4800 ኪሎ ሜተር ንምዕራብ ርሒቑ ኣብ ጥቓ ኣፍሪቃዊት ደሴት ሪዩንየን ሓደ ዝተገዝዐ ክንፊ ናይ ቦይንግ ነፋሪት ተረኺቡ ነይሩ። ነቲ ክንፊ ዘጽንዑ ክኢላታት፡ ኣብራሪ ነፋሪት ኰነ ኢሉ ከም ዝገተሮን ናብ ማይ ክነቝታ ስለ ዝደለየ ክኸውን ከም ዝኽእልን የረድኡ። ኩባንያ ቦይንግ ዝኽተሎ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ክቐድሓ ዝደለያ ሃገራት ጨውየን ከምዝወሰዳኣ እውን ካልእ ዝተዘርገሐ ክልሰ ሓሳብ’ውን ኣሎ። ለይቲ ብልዕሊ ማያት እትበርር ነፋሪት ምጭዋይ፡ ካብ ጠመተ ራዳር ሰዊርካ ናብ ካልእ ከተስግራ ዝመቸአ ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ብጭውያ ዝጥርጠራ ሃገራት እናረቝሑ ከረድኡ ይፍትኑ። በረራ ኤም.ኤች370 ምስ ጠፍአት ሳንደይ ስፖርት ዝተባህለት ጋዜጣ ብሪጣንያ እታ ነፋሪት ከም እተረኽበት ዝገልጽ ጽሑፍ ኣስፊራ ነይራ። እቲ ቦታ ኣብ ወርሒ’ዩ። ኣብ ገጻት ናይታ ጋዜጣ፡ ኣብ ባይታ ወርሒ ናይ ዝዓለበት ነፋሪት ብሰብ ሰርሖ ውሕልነት ዝተዳለወ ስእሊ ተሓቲሙ። ቅድሚ ምስዋራ ኣብ ራዳር ዝተሰምዐ ምንጩ ዘይተፈልጠ ድምጺ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ጋላክሲ ኣቛሪጸን ብዝጓዓዛ ዘይተፈልጣ ሰማያዊ በረርቲ ኣካላት ተጨውያ ናብ ወርሒ ከም እተወስደት ይገልጽ። ከምዚ ዓይነት ዕላል ንዝፈትዉ ሰባት ምቁር ወግዒ ክኸውን ይኽእል። ግና ካብ ሃተፍተፍ ኣይሓልፍን። ኣብ ምጥፋእ እታ ነፋሪት ብተገዳስነት መጽናዕቲ ካብ ዘካይዱ ሰባት እታ ነፋሪት ኣብቲ ዝተሰርሓትሉ ትካል ቦይንግ መበል 404 ከም ዝነበረት ኣስተብሂሎም። ኣብ ኢንተርነት ዘይክፈት ኣድራሻ “404 error” ከም ዝህብ ከኣ ተዓዚቦም።
ነዚ ከም ስዉር መልእኽቲ ተርጒሞም ‘ካብ ዝጠርጠርናዮ ኣይወጸን’ ክብሉ ጀሚሮም። እታ ነፋሪት ካብ መጀመርታ ክትስራሕ እንከላ ክትጠፍእ ዝተፈርደት ምንባራ ድማ ይገልጹ። እታ ነፋሪት ዝጠፍኣትሉ ወጋሕታ ብገፈፍቲ ዓሳ ደሴት ሞልዲቭስ “ትሕት ኢላ ትበርር’ ናይ ማሌዥያ ኣርማ ዘለዋ ነፋሪት ከም ዝረኣዩ ዝሕብር ወረ ምስ ሰምዐ፡ ከጻሪ ናብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ዝገሸ ኣብ ኩባንያ መጕዓዚያ ኣየር ፈረንሳ በዓል ስልጣን ዝነበረ ሰብ፡ ሓደ ብሪጣንያዊ ኣባል ጸጥታ ኣብ ኣጠፋፍኣ እታ ነፋሪት ‘ብዙሕ ሃነፍነፍ’ ኣይትበል ከም ዝበሎን፡ ‘ህይወትካ ናብ ሓደጋ ተቃልዓ ኣለኻ’ ብምባል ከም ዘጠንቀቖን ምንጭታት የረድኡ። ኣብታ ነፋሪት ኣመልኪቶም ካብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ብነፈርቲ ውግእ ሓያል ሃገር ከም እተሃርመትን እቲ ገበን ምእንቲ ከይፍለጥ ግን ነቲ ናይ ዳህሳስ ጻዕርታት ኰነ ኢሎም ኣንፈቱ እናስሓቱ ናብ ካልእ ውቅያኖሳት ይመርሕዎ ምህላዎምን የረድእ። እቲ ኣብ ጥቓ ደሴት ሪዩንየን ተረኺቡ ዝተባህለ ክንፊ ነፋሪት እውን ኣምሲልካ ዝተሰነዐ ከም ዝዀነ ዝገልጹ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ናይ ማደጋስካር ርእሲ ከተማ ኣንታናራሪቮ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ እታ ነፋሪት ዝከታተል ዛሂድ ራዛ ዝተባህለ ላዕለዋይ ናይ ክብሪ ልኡኽ ቈንስል ማሌዥያ ብቐተልቲ ተቐንጺሉ ምማቱ ይፍለጥ። ኣብ ዙርያ እቲ መዋታይ ከኣ ሓያሎ ክልሰ-ሓሳባዊ ውዲታት ከም እተፈጥሩ ጸብጻባት ይሕብሩ። ውጽኢት ናይቲ ከጽነዖ ዝጸንሐ ኣጠፋፍኣ እታ ነፋሪት ንመንግስቲ ከቕርብ ኣብ ዝተዳለወሉ ከም እተቐትለ ገለ ወገናት ክገልጹ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ብካልእ ጉዳይ ኣብ ዕላማ ኣትዩ ዝጸንሐ ምዃኑ የረድኡ። እቶም ቀዳሞት ነዞም ዳሕረዎት ወሃብቲ ርእይቶ “መደናገርቲ” ብምባል ይነቕፍዎም። ሰፍ ዘይብል ናይ መድሕን (ኢንሹራንስ) ውዕል ዘለዎም ሰባት ኣብታ ነፋሪት ክነብሩ ከም ዝኽእሉን፡ ንስድራቤቶም ቀሊቶም ክኸዱ ዝደልዩ ወይ ብገዚፍ ዕዳ ዝተጨነቑ ተሳፈርቲ እንተነይሮም ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ተሳፋራይ ክጽናዕ ዝጸውዑ እውን ኣይተሳእኑን። ነፋሪት ማሊዥያ ናበይ ተሰዊራ ዝብል ሕቶ፡ ጭቡጥ መዓልቦ ኣይረኸበን። “መመሰልን ኣይግበርካ” ከም ዝበሃል ግዳ ወግዒ ምንጭታት ዜና ኰይኑ ክተርፍ ከም ዘይብሉን ኣብ ካልእ ኩነታት ከይድገም ተጻርዩ መዝገቡ ክዕጾ ከምዘለዎን ሓያሎ ወገናት ምሕጽንታ የቕርቡ።
Hi! I am a robot. I just upvoted you! I found similar content that readers might be interested in:
http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_29122017.pdf